(Sources: King County Public Health, CDC)


ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣሎ ድዩ?

ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ንህጹጽ ኣገልግሎት ዝውዕል ናይ መጀመርታ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ፈቒዱ’ሎ። ብዙሓት ካልኦት ክታበታት እውን ኣብ ምምዕባል ይርከቡ፡ ከምኡ’ውን ብገፊሑ ኣብ ምርምር ሓደስቲ መድሓኒታት (clinical trials) ዉሑስን ዉጽኢታዊን ምዃኑ ንምርግጋጽ ምስ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወለንተኛታት ይሰርሕ።

ቅድሚ 2020 ምውድኡ ኣዝዩ ዉሱን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ዋሽንግተን ምምጻእ ክጅምር ኢዩ። እቲ ቀረብ ቀስ ብቐስ እንዳወሰኸ ከምዝኸይድ ንትስፎ፡ ከምኡ’ውን ክታበት ንዝኾነ ሰብ ክኽተብ ዝደሊ ኣብ ስፕሪንግ (spring) ወይ ሳመር (summer) 2021 ክህሉ ኢዩ።


ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ እንታይ ኢዩ?

ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ኣብ እዋን ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት (National emergency) ፍርያት ንህጹጽ ጥዕናዊ ድልየት (ኣገልግሎት) ብወግዒ ንምግላጽ ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (Emergency Use Authorizations) ማለት EUAs ተባሂሉ ዝጽዋዕ ይጥቀም። EUAs፡ ፍርያት ቅድሚ ምሉእ ብምሉእ ፍቓድ ምርካቡ ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕል ይፈቅድ።

ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (EUA) ንፈተነ፡ መሳርሒ፡ ወይ ንምፍዋስ ይጠቅም። ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣንትራክስ (anthrax)፡ ኢቦላ (Ebola)፡ H1N1፡ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ሕማማት ንምክልኻል ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (Emergency Use Authorizations) ሂቡ ኢዩ።

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (EUA) ክቑጸር እንተደኣ ኮይኑ ናይ ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) መምርሕታት ክማላእ ኣለዎ፡ እንተላይ ደረጃታት ዉጽኢታዊነትን ገምጋም ናጻ ኪላታት ሕክምናን።

እንተደኣ ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ንክታበት ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (EUA) ኣጽዲቕዎ ፡ ካልእ ናጻ ኮሚቴ ኣማኸርቲ ንድሕነትን ዉጽኢታዊነትን ዳታ ክግምግምዎ ኢዮም። እዚ ኮሚቴ’ዚ፡ ኣማኻሪ ኮሚቴ ኣብ ኢሙኒዘሽን ልምድታት (Advisory Committee on Immunization Practices (ACIP) እቲ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ምዃኑ ምኽሪ ይህቡ።እንተደኣ ቅቡል ኢዩ ኢሎሞ፡ ኣማኻሪ ኮሚቴ ኣብ ኢሙኒዘሽን ልምድታት (ACIP) ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና መምርሒታት ይህብ።ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ከምኡ’ውን ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ድሕሪ ምጽዳቕ ክታበት እውን ድሕነቱን ብቕዓቱን ምቁጽጻር ክቕጽሉ ኢዮም።


ክታበታት ኮቪድ-19 (COVID-19) ብኸመይ ኢዮም ንድሕነትን ብቑዕነትን ዝምዕብሉን ፈተነ ዝግበረሎምን?

ድሕነት ክታበት ቀዳምነት ኢዩ። ኩሎም ክታበታት ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣብ ዩ.ኤ.ኣመሪካ ኣብ ጥቕሚ ቅድሚ ምውዓሎም ብጽኑዕን ብዙሓት ደረጃታት ፈተነን ከምኡ’ውን መስርሕ ምጽዳቕን ክሓልፉ ኣለዎም። እዚ እንተላይ ኣብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት መጽናዕቲታት ምግባርን ከምኡ’ውን ብናጻ ናይ ድሕነት ተቖጻጸርቲ ቦርድ ዝግበር ገምጋም ዳታን ይኸውን። ንምጥቃሞም መረጋገጽን ፍቓድን ዝረኽቡ ድማ ደረጃታት ድሕነትን ዉጺታዊነትን እንተሓሊፎም ኢዩ። ክታበታት ዋላ ምስተዋህቡ (ኣብ ግብሪ ምስዝውዕሉ) ምቁጽጻር ክግበረሎም ኢዩ።


ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ብኸመይ ኢዩ ዝሰርሕ?

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)፡ ሰብነትና ነቲ ኮቪድ-19 (COVID-19) ዘምጽእ ቫይረስ ዘለዎ ተጻዋርነት ቅድሚ ምሕማምና ከማዕብል ይሕግዞ። ክታበት ምስወሰድና፡ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም (immune system) ኣንቲቦዲስ (antibodies)፡ ከምኡ’ውን ሕማም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ምናልባሽ ብቫይረስ እንተተለኺፍና ንዓና ዝከላኸለልና ይሰርሕ።


ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ምውሳድ እንታዩ ረብሕኡ?

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ካብ ሕማም ወይ ብርቱዕ ሕማም ኮቪድ-19 (COVID-19) ይከላኸል?

  • ንስርዓተ-ምክልኻል ሕማም (immune system) ነብስና ነቶም ቫይረስ ክቃለሶም (ክገጥሞም) ሓበሬታ ብምሃብ ሓገዝ ይገብር መልከፍቲ ኮቪድ-19 (COVID-19) ከምዘይስመዓና ይኸውን።

  • ኣብ ምርምር ሓደስቲ መድሓኒታት (clinical trials): ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለዉ ክታበታት ኮቪድ-19 (COVID-19) ንምክልኻል ህዝቢ ካብ ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣዝዮም ዉጽኢታዉያን ኮይኖም ኣለዉ።

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ነቲ ለብዒ ጠጠው ንምባል ኣዝዩ ሓጋዚ መሳርሒ ኢዩ።

  • ማስክ ምግባር ከም ኡውን ማህበራዊ ርሕቀት ምሕላው መልከፍቲ በቲ ቫይረስ ወይ ናብ ካልእ ምትሕልላፍ ንምጉዳል ይሕግዝ ኢዩ፡ እንተኾነ-ግን እዞም ስጉምቲታት እዚኣቶም በይኖም እኹላት ኣይኮኑን። ክታበት ምስ ስርዓተ- ምክልኻል ሕማም (immune system) ነብስኻ ኮይኑ ንቫይረስ እንተተቓሊዕካ፡ ንክከላኸል (ክዋጋእ) ቅሩብ ኢዩ።

  • ክታበት ምውሳድን ናይ ሓለዋ ጥዕና ምኽርታት(ለበዋታት) ብሓባር ምኽባርን ካብ ኮቪድ-19 (COVID-19) ንነብስኻን ንካልኦትን ንምክልኻል ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝበለጸ ሓለዋ ኢዩ።

  • ድሕሪ ግዜ፡ ብዙሕ ሰብ ምስተኸትበ፡ ገሊኦም መከላኸሊ ስጉምቲታት ኮቪድ-19 (COVID-19) ተባሂሎም ኣብዚ እዋንዚ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዘይክንደልዮም ንኽእል ኢና።


መዓስ’የ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክረክብ ዝኽእል?

ቅድሚ 2020 ምውድ ኡ ኣብ ክፍለ-ግዝ ኣት ዋሽንግተን ዉሱን መጠን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክበጽሕ ኢዩ። ሕጽረት ክታበት ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብሓለዋ ጥዕና ክፍለ-ግዝኣት ዋሽንግተን ብምኽሪ ናይ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ኣካል ዝኾነ Advisory Committee on Immunization Practices (ACIP) ቀዳምነታት ክህልዉዎ ኢዮም። ኣብ መጀመርታ ሰሙናት እቲ ዉሱን ክታበት ዝወሃብ ንኣብ ልዑል ሓደጋ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕናን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ነዊሕ ግዜ ክንክን ተዓቚቦም ዘለዉን ኢዩ።

ቀስ ብቐስ ድማ ኣብ 2021 ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ብብዝሒ ክርከብ ኢዩ። ኣብ ልዑል ሓደጋ መልከፍቲ ኮቪድ-19 (COVID-19) ወይ ድማ ብርቱዕ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባት እንተተለኺፎም ቀዳምነት ከህልዎም ይኽእል'ዩ።ከም'ኒ ልዑል ሓደጋ ኩነታት ጥዕና ዘለዎም፡ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት ንኮቪድ-19 ዝተቓልዑ፡ ከምኡ'ውን ሰብ-ጸጋ ዕድመ 65 ዓመትን ልዕሊኡን። ኣብ መወዳእታ ነብሲ-ወከፍ ሰብ ክታበት ዝደሊ ክረክብ ኢዩ።

ብዛዕባ ምክፍፋል ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ዋሽንግተን ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብዚ ተወከሱ፡፡ (ብእንግሊዝኛ ጥራሕ)።


ክወስዶ ዝደልዮ ዓይነት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክመርጽ እኽእል ድየ?

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣይፋልን፡ ምኽንያቱ ቀረብ ክታበት ዉሱን ኢዩ ትጽቢት ዝግበር’ውን ዉሱን ኮይኑ ንሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ፡ ቦታት ክታበት ብሓፈሻ ሓንቲ ዓይነት ክታበት ጥራሕ ኢዮም ክህቡ ዝኽእሉ። ዝተፋላለዩ ቦታታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ክታበት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ዝተፋላለየ ክታበት ክህልዎም ይኽእል’ዩ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ቀረብ ዉሱን ኮይኑ ክቕጽል’ዩ ኢልና ትጽቢት ንገብር ምኽንያቱ ብቑዕነት ናብ ካልኦት ኣብ ልዑል ሓደጋ ዘለዉ ጉጅለታት እንዳሰፍሐ ስለዝኸይድ። ቀረብ ምስወሰኸ ከምኡ ድማ ክታበታት ብብዝሒ ምስተረኽቡ ሰባት ኣበይ ክኽተቡ ከምዝደልዩን ኣየናይ ክታበት ከምዝወስዱን ኣማራጺታት ክህልዎም ኢዩ።


ዋጋ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክንደዩ?

ንኽታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ዝኽፈል ዋጋ የለን። እቲ ክታበት ብመዲኬር፡ መዲኬድ፡ ከምኡ’ውን ብመብዛሕትአን ኩባንያታት ኢንሹራንስ ክሽፈን’ዩ፡ ኢንሹራንስ ንዘይብሎም ድማ እቲ ዋጋ ክታበት ክሽፈነሎም’ዩ።

ክፍሊት ኮፐይ ወይ ኦፊስ ቪዚት ክህሉ ይኽእልዩ። ኣብ ኢንሹራንስካ ወይ ኣብቲ ትኸዶ ሓኪም ይምርኮስ።

ህዝባዊ ጥዕና- ሲያትልን ኪንግ ካውቲን ናጻ ናይ ክታበት ክሊኒካት ክህልዋ መደብ እንዳውጽአ ይርከብ። ፍትሓዊ ምክፍፋል ነዘን ክሊኒካት ቀዳምነት ኢዩ።ናብዚ ደረጃ ምክፍፋል ምስ ኣተና ብገፊሑ ዝያዳ ሓበሬታ ክህሉ’ዩ።


ክንደይ ዝዓቐኑ ክታበት ክወስድ ኣሎኒ?

ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክልተ ዓቐን (two doses) የድሊ፡ ሓደ ዓቐን ምጅማር ምህናጽ ምክልኻል እቲ ካልኣይ ዓቐን ነቲ ምክልኻል ሓፍ ምባልን ነቲ ምክልኻል ምውዳእን’ዩ።

እቲ ካልኣይ ዓቐን ኣብ 21 ወይ ኣብ 28 መዓልቲ ናይቲ ቀዳማይ ዓቐን፡ ኣብቲ ዓይነት ክታበት ተሞርኩሱ ክወሃብ ኣለዎ። ንክልቲኦም ዓቐናት ሓደ ዓይነት ክታበት ምውሳድ የድሊ። ቀዳማይ ዓቐን ምስ ወሰድኩም ወሃብቲ ክታበትኩም እቲ ካልኣይ ዓቐን መዓስ ከምትወስድዎ ሓበሬታ ክህበኩም’ዩ።